ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ሳቶም፡ 3 ካብ ዞባ ማእከል ኰይኖም ኣድራሻኦም – ማእከል ከተማ፡ ኣኽሪያን ማይ-ተመናይን፣ 3 ድማ፡ ሓደ ካብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ካብ ተሰነይ ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ከኣ ካብ ድባርዋ – ዞባ ደቡብ እዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,751 በጺሑ ኣሎ።

እዚኣቶም፡ 9,633 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 15 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ዝግበረሎም ዘለዉ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 17 ግንቦት 2022

Categories