ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሞት ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ትማሊ ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢ – ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን ምክትል ፕረዚደንት ሼኽ መሓመድ ቢን ራሽድ ኣልመክቱምን ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ንህዝብን መንግስትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጽንዓት ተመንዩ።

ካብ 2004 ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሼኽ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ትማሊ 13 ግንቦት እዩ ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ዓሪፉ።

Categories