ጉጅለታት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ጀርመን፡ ‘‘ክተት – ከም መድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ፡ ብ7ን 8ን ግንቦት ኣብ ከተማ ማንሃይም ኣብ ዘቃንዓኦ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ኣብ መደባት ሃገራዊ መኸተ ዘትየን።

ኣብ‘ቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመን ዝተወከሉ ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ወከልቲ ናይ‘ተን ጉጅለታት ብኣካል ተራኺቦም ዝገብርዎ ዘተ፡ ኣብ ምድንፋዕ ሃገራዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣብ መደባት መኸተ ድማ ብፍላይ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ እውን፡ ጸብጻብ ንጥፈታት ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ኤውሮጳን ምስናይ ብድሆታቱ ድሕሪ ምቕራብ፡ ንምክልኻል ኮቪድን ኣንበጣን ብዛዕባ ዝተገብረ ወፈያታት ከምኡ‘ውን ናይ መጻኢ መደባት መብርሂ ሂቡ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተ ድማ፡ ‘‘ፓለቲካን ፓለቲካዊ ብቕዓትን“ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ፖለቲካዊ ብቕዓት ከይወነንካ ዝረጋገጽ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ምዕባለ ስለዘየለ፡ ኣብ‘ዚ መዳይ‘ዚ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዘደሊ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ዝጽበዮም ዘሎ ዓበይቲ ሃገራዊ ዕማማት ንምትግባር፡ ንኹሉ ተጻብኦታት ንምብዳህን ልምዓታውን ድሕነታውን መደባት ንምዕዋትን ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories