ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዑረት ንምክልኻል ኣብ 6 ንኡሳን ዞባታት ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብሰንኪ ሓበላ ናይ ምርኣይ ጸገማት ዝጸንሖም 246 ዜጋታት መብጣሕቲ ከምእተገብረሎም፡ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ የማነ ጸጋይ ሓቢሩ።

እቲ መብጣሕቲ – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓረዛ፡ እምኒ-ሓይሊ፡ ዓዲ-ዃላን ማይ-ምነን ከምእተገብረን ምሉእ ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ከምእተሸፈነን ዝገለጸ ኣቶ የማነ፡ ኣሃዱታት መብጣሕቲ ናብ’ቲ ቦታታት ብምንቅስቓስ ዝተኻየደ ብምዃኑ ከኣ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ዝስዕቡ ሕማማት ዓይኒ ከም ረኽሲን ትራኮማን ንምግታእ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ብወከልቲ ጥዕና ዓዲን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝተኻየደ ዝተወሃሃደ ጐስጓሳትን ናይ ፍወሳ ስጉምትታትን ኣድማዒ ብምንባሩ – ተርእዮ ናይ’ቲ ሕማማት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ እውን ኣብሪሁ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ክኢላ መብጣሕቲ ዓይኒ ኣቶ ብስራት ወልደግዮርጊስ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ገኒኖም ዝርኣዩ ሕማማት ዓይኒ፡ ምስ ምድፋእ ዕድመን ጉድለት ጽሬትን ዝተተሓሓዙ ምዃኖም ብምሕባር፡ ቅልጡፍ ሕክምና እንተደኣ ረኺቦም ብቐሊሉ ክፍወሱ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።

ኣቶ ብስራት በዚ ኣጋጣሚ፡ ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኡ ዜጋ ኩሉ፡ ናብ ሕክምና መጺኡ ኩነታት ጥዕና ዓይኑ ክፈልጥ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 2019 ኣብ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ሰገነይቲ፡ ደቀምሓረ፡ ጸሮና፡ ሰንዓፈን ማይ-ዓይኒን ንዝመጹ 1,738 ዜጋታት፡ ዕዉት መብጣሕቲ ሓበላ ዓይኒ ከምእተገብረሎም፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ የረድኡ።

Categories