ኣህጉራዊ መዓልቲ ጥዕና ብቚሊ – 12 ግንቦት፡ “ምክንኻን ብቚሊ – ምሕላው ህይወት” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ቀጽሪ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ተዘኪራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቁጽጽርን ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ መዓልቲ ጥዕና ብቚሊ፡ ዓለማዊ ንቕሓት ክብ ኣብ ምባል፣ ከምኡ’ውን ምውጋድ ጥሜትን ድኽነትን፡ ምስሳን ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ድንፋዐ ኣከባብን ኣድህቦ ከምዝረኽቡ ኣብ ምግባር ደራኺ ተራ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ብቚሊ፡ ምንጪ እነስተንፍሶ ኣየርን ዝበዝሐ ክፋል መግብናን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ተኽለኣብ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ዓመታዊ ካብ ዝፈሪ ኣእካል፡ እቲ ኣስታት 40 ሚእታዊት ብባልዓትን ሕማማትን ከምዝባኽን ኣገንዚቡ።

12 ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ጥዕና ብቚሊ፡ ብደረጃ ዓለምን ሃገርናን ንመጀመርያ ግዜኣ እያ ተዘኪራ።

Categories