ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ምምሕዳር ከባቢ ኢንገል-ዔላ እትርከብ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኢንገል-ዔላ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2021/2022 ናብ ዘመናዊ ህንጻ ብምስግጋራ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣገልግሎት ክትህብ በቒዓ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ዓብደላ ሓሰን፡ እቲ ንመባእታን ማእከላይን ደረጃ ከገልግል ዝተሰርሐ ህንጻ – እኹል ክፍልታት ስለዘለዎ፡ ተመሃሮ ናብ ማእከላይ ደረጃ ምስ ሓለፉ ዘጋጥም ዝነበረ ምቊራጽ ፍታሕ ከምዝረኸበ፡ እዚ ድማ ንመጠን ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብ60 ሚእታዊት ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ።

ነበርቲ፡ ስለ’ቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጒምቲ ብምምስጋን፡ ተሪፉ ዘሎ ጠለባቶም እውን በብእዋኑ ከምዝፍታሕ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ኣብ 1999 ብውሑዳት ተመሃሮ ኣገልግሎት ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ኢንገል-ዔላ፡ ኣብ’ዚ ኣዋን’ዚ ን124 ተመሃሮ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories