ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ብዝተፈላለየ ዝሰልጠኑ 433 መንእሰያት፡ ብ8 ግንቦት ተመሪቖም።

ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰያ ዳዊት ተኽሎም፡ ሃማመተኤ ምስ ናይ ስራሕ መሻርኽቱ ተወሃሂዱ፡ ሞያውያን መንእሰያት ንምፍራይን ንምምልማልን፡ ንፉዓትን ኣብነታውያንን ተመሃሮ እናኣለለየ ስልጠናታት ከምዝህብ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ብዝቐሰምዎ ሞያ ንነብሶም ኰይኖም ሕብረተ-ሰቦም ከገልግሉን መዛኑኦም ብእወታ ክጸልዉን ድማ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ ብወገኑ፡ ሃማመተኤ – መንእሰያት ተመሃሮ ንምውዳብ፡ ንምንቃሕን ፍልጠት ንምጣቕን ንዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት ብምምጓስ፡ ወለዲ – ተመሃሮ ደቆም ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሞያን ጥበብን ዘዕጥቕ ውዳበ ንኽጥርነፉ ከተባብዑን ድርኺት ክፈጥሩን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንብሉጻት ተመሃሮ ሽልማት፣ ንኹሎም ተመረቕቲ ድማ ወረቐት ምስክር ተዓዲሉ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብቑዕ ፍልጠት ዝዓጠቑን ልዑል ንቕሓት ዝውንኑን መንእሰያት ንምህናጽ ኣብ ዝሕግዝ መዳያት ተዘትዩ።

ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ታሪኾም፡ ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንቑሕ ተሳትፎ ንኽህልዎም ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

Categories