ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነ-ጥበበኛ ስዒድ ኣንዋር ሳልሕ፡ ትማሊ 12 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድሕሪቐትሪ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ስነ-ጥበበኛ ስዒድ ኣንዋር፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ11 ግንቦት እዩ ኣብ መበል 38 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣባል መበል 19 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ መንእሰይ ስዒድ ኣንዋር፡ ኣብ ከም ‘ማጨሎ’ን “ንጣብ ዝኽሪ ዘመን”ን ዝርከባአን ብኤሪ-ቲቪ ዝተፈነዋ ተኸታተልቲ ፊልምታት ዝተዋስአን ህቡብነት ዘጥረየን ስነ-ጥበበኛ እዩ።

ስነ-ጥበበኛ ስዒድ ኣንዋር ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣስታት 50 ንጽል ፊልምታት እውን ተዋሲኡ እዩ።

Categories