ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ (ሃ.ኮ.መ.ኤ)፡ ኣብ ናይ ህይወት መድሕን ጽቡቕ ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል፡ ብሰንኪ ዝሕተት ዝነበረ ክፍሊት፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ እዋን ናይ ህይወት መድሕን ዝኣቱ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ምንባሩ፣ ካብ 2019 ግን፡ ብዝተሓተ ክፍሊት ዝለዓለ ካሕሳ ዝርከቦ ብጉጅለ ዝእቶ ሓድሽ መድሕን ከምእተኣታተወ፣ ዛጊት ድማ ኣባላት ሚኒስትሪታት ዜና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ መሬትን ማይን ኣከባቢን፡ ከምኡ’ውን ማሕበራት ገድሊ ኣትዮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ መድሕን ዝኣተወ ዜጋ፡ ብሕማም ምስ ዝመውት ካብ 60 ክሳብ 75 ሽሕ ናቕፋ፣ ብሓደጋ ምስ ዝመውት ድማ ዕጽፊ ናቱ ካሕሳ ንስድራ-ቤቱ ከምዝኽፈል፡ ኣቶ ዘርኡ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ቅድሚ 4 ዓመት ካብ ሓፈሻዊ እቶት ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን፡ 1 ሚእታዊት ጥራይ ዝሽፍን ዝነበረ ካብ ናይ ህይወት መድሕን ዝርከብ ኣታዊ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ 6 ሚእታዊ ክብ ኢሉ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ዘርኡ፡ ኣብ 2030 ናብ 20 ሚእታዊት፣ ኣብ 2050 ከኣ፡ ናብ 50 ሚእታዊት ክብ ንኽብል ከም ሸቶ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ናይ መድሕንን ዳግመ-መድሕንን ትካላት፡ ክመጽእ ንዝኽእል ክሳራ ብምግንዛብ፡ ኣብ ዕድመ 60ታትን ልዕሊኡን ንዘለዉ ናይ ህይወት መድሕን ንምእታው ከምዘይደፍራ ጠቒሱ፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ
ግን፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ዜጋታት ናይ ህይወት መድሕን ብምእታዉ፡ ሓበን ከምዝስመዖ ኣመልኪቱ።

ኣብ 1991 ብሓሙሽተ ሚልዮን ርእሰ-ማል ዝተመስረተ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 105 ሚልዮን ናቕፋ ርእሰ-ማል ዝውንንን፡ ልዕሊ 45 ዓይነታት ኣገልግሎታት መድሕን ዝህብን ናይ ብርኪ ትካል እዩ።

Categories