ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተወከሉ ልዕሊ 100 መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ብ30 ሚያዝያ ተቓኒዑ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን ተራ መንእሰያትን መብርሂ ብምሃብ፡ መንእሰይ ወለዶ ከም ተረካቢ ሕድሪ መጠን – ንቕሓቱን ውዳቤኡን ኣደልዲሉ መኸተኡ ከሐይል፡ መድረኽ ዝጠልቦ ሕቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ጸሓፊ ህዝባውን ኮማውን ግዳያት ኣቶ ፍጹም ሳህለ እውን፡ ኣብ ተራ መንእሰያት ኣብ መድረኽ ምስግጋር ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተ ብወገኑ፡ ኣብ መድረኻዊ ተልእኾ ዝቐንዐ ኣስተምህሮ ከምዝሃበ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ንውጽኢት ናይ’ቲ “ኣፍሪቃ-ለኸ ሓርነትን መሪሕነት ብዕላማን” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 14 ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ሮማ – ኢጣልያ ዝተቓንዐ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ተሳተፍቲ፡ ሓባራዊ መረዳእታ ብምፍጣርን መጻኢ መደባት ብምሕንጻጽን እዮም ዋዕላኦም ዛዚሞም።

Categories