ታሪኹ ባዕሉ ዘይጽሕፍ – ወናኒ ታሪኹ ክኸውን ስለዘይክእል፡ መንእሰያት ኣትኲሮኦም ኣብ ምስናድን ምጽሓፍን ሓቀኛ ፍጻሜታት ከዕዝዙ፡ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣገንዚቡ።

ብ6 ግንቦት ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ዞባ ደቡብ – ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ብዛዕባ ኣምር ሃገርን ሃገራውነትን ሰፊሕን ገላጽን መረዳእታ ብምቕራብ፡ መንእሰያት ከም ተረከብትን ቀለስቲን መጻኢ መጠን፡ ታሪኽ ሃገሮምን ህዝቦምን ብዕምቈት ፈሊጦም፡ ‘ሃገር’ – ስምዒት፡ ወኒ፡ ፍቕሪ ዝሕመረቱ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ስለዝዀነት፡ ምሉእ ኣድህቦኦም ስለ ሃገር ምሕሳብ ክኸውን ኣተሓሳሲቡ።

“ታሪኽ መምህር እዩ” ዝበለ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ታሪኽ – ንሕሉፍ ከም መራሕን ኣማእዛንን ብምግልጋል፡ ተጻብኦታት ኣብ ምብርዓን ዘለዎ ተራ ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ብግቡእ ተረዲእካ ናብ ዝቕጽሉ ወለዶታት ምምሕልላፉ ዜግነታዊ ግድነት ከምዝዀነ ኣስሚርሉ።

ተሳተፍቲ፡ ከም’ዚ ዓይነት ዓሚቚን ኣማእዛንን ሰሚናራት ክድፋኣሉ፣ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትና ናብ ካልኦት ቋንቋታት ንምትርጓምን ብድጂታላዊ መልክዕ ንምቕራብን ክስራሓሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባ ደቡብ ኣቶ ተኪኤ ተወልደ፡ ንኣቶ ኣለምሰገድ ስለ’ቲ ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ኣፍልጦን መንእሰያት ዘተኰረ ሰሚናራቱ ብምምስጋን፡
ኤርትራዊ ዜጋ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ናይ ንባብን ምድላብ ፍልጠትን ሸውሃቶም ብምዕባይ፡ ታሪኾም ብግቡእ ኣብ ምፍላጥ፡ ምስናድን ምጽሓፍን ንጡፍ ተራ ክህልዎም ተላብዩ።

Categories