ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ደምበሰንበል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ንዘምጽኡ 133 ተመሃሮ – ኣባላት 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ።

ብ7 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰመምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ሰመረ ሱልጣን፡ ተመሃሮ ዘመዝገብዎ ልዑል ነጥቢ፡ ውጽኢት ጻዕሮም፡ ከምኡ’ውን ፍረ ደገፍን ምክትታልን መማህራኖምን ወለዶምን ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፡ ዮሃናኡ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ወለዲ፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምብራኽ ንዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ ሞጒሱ።

ሕጽረታት ቤት-ትምህርቲ ንምምላእ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ክገብሩ ምዃኖም ድማ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር ዮውሃንስ ሰለሙን ብወገኑ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ – መኣዲ ፍልጠት፡ ክእለትን ስነ-ምግባርን ስለዝዀና፡ ምሕያል ስሉሳዊ ዝምድና መሰረታዊ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብነታውያን መማህራንን ኣባላት ኮሚቴ ወለድን እውን ተሸሊሞም።

Categories