ሚኒስትሪ ሕርሻን በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብምኽንያት 15 ግንቦት – ‘ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ’፡ ህዝብን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ኣብ ንጥፈታት ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ፍሉይ ኣትኲሮ ገይሮም ክሰርሑ ጸዊዖም።

በዚ መሰረት – ምምሕዳራት፡ ተመሃሮ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ማሕበራትን ካልኦትን፡ ካብ ሎሚ 11 ክሳብ 15 ግንቦት፡ ኣብ ከከባቢኦም፡ መዘናግዒ ቦታታት፡ ጐደናታትን ካልእ ከባቢታትን ንዝርከብ ኣግራብ ብምኹስኳስን ማይ ብምስታይን፡ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ፈልሲታት ብምትካልን ዛላታት ብምስራሕን ብምጽጋንን እጃሞም ከበርክቱ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ይጽውዑ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብሰብ-ሰርሖን ባህርያውን ጠንቅታት ዝስዕብ ምድካይ መሬት፡ ብርሰት ኣግራብን ምንቍልቋል ጸጋታት ህይወታዊ ብዙሕነትን እንስሳ ዘገዳምን፡ ናብ ንቡር ንምምላስን ንምስሳንን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2006 “ሓያል ጻዕሪ ንሓምላይ ወፍሪ” ዝተሰምየ ዓቢ ሃገራዊ መደብ ብምብጋስ፡ ዓመታዊ 15 ግንቦት “ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ” ኮይና ክትዝከር ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

Categories