ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 9 ግንቦት ኣብ ከተማ እንጃሜና፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ወተሃደራዊ ባይቶ ጫድ – ጀነራል መሃመት እድሪስ ደቢ ኣብጺሑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ዓሚቚ ሓዘን ኤርትራ ብምኽንያት ሞት ፕረዚደንት ነበር እድሪስ ደቢ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራ ምስ ጫድ ክልተኣውን ዞባውን ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ።

ጀነራል መሃመት እድሪስ ደቢ ብወገኑ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለ’ቲ ዝወሰዶ ተበግሶ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ሃገሩ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ንምዕዛዝ ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ።

ጀነራል መሃመት ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ጫድን መብጽዓኣ ንጸንባሪ ሃገራዊ ዘተን ንልኡኽ ኤርትራ መብርሂ ሂቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣቐዲሙ እውን፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲትን ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

Categories