ኣብ ንኡስ ዞባ ድቡብ ደንካልያ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምስፋሕ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዋደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ፡ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ክወሃብ ምጽንሑ፣ ተሳታፍነት ተመሃሮን ናይ ምቕጻል ድሌቶምን ክብ እናበለ ምስ ምምጽኡ ድማ፡ ጠለብ ምኽፋት ናይ ካልኣይ ደረጃ ከምዝዓበየ ዝጠቐሰ ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ ዋደ – መምህር ሙሳ ኣሕመድ፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመተ ትምህርቲ ከምእተጀመረ ሓቢሩ።

መምህር ሙሳ፡ ተመሃሮ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ንምትብባዕ ተራ ወለዲ ክዓቢን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ንዘሎ ዕዙዝ ተሳትፎ ዘመጐሰ መምህር ሙሳ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ ብኣጋ ክፍታሕ ተላብዩ።

Categories