ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ እቶታውነት ንምዕባይ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ኢንጂነር መርሃዊ ገብረሚካኤል ሓቢሩ።

ኢንጅነር መርሃዊ፡ ምጅራፍ – ኣብ ምድንፋዕ እቶትን ምክልኻል ፍግረ-መሬትን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምምልካት፡ መንግስቲ ብዝመደበን እኹላት ትራክተራት ብሰፊሑ ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሎም-ዓመት ክጅረፍ ካብ ዝተወጠነ 1,700 ሄክታር፡ ዛጊት ሓደ ሽሕ ሄክታር ከምእተዓመ ጠቒሱ ድማ፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ተጠርኒፉ ዘካይዶ ዘሎ ወፈራታት፡ ዕዙዝ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣቐዲሙ፡ ናይ ምጅራፍ ንጥፈታት ብናይ ውልቂ ትራክተራት ንሰዓት ክሳብ 800 ናቕፋ እናተኸፍለ ክካየድ ከምዝጸንሐ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ብናይ መንግስቲ ትራክተራት ንሰዓት ብ175 ናቕፋ ይሰላሰል ብምህላዉ፡ ንሓረስቶት ኣዝዩ ሓጋዚ ኰይኑ ከምዘሎ፡ ኢንጅነር መርሃዊ ኣረዲኡ።

ምምሕዳራት ከባቢ፡ ዓቕሚ-ሰበን ወዲበንን ኣወሃሂደንን ንዝገብራኦ ዘለዋ ስራሓት ድማ ሞጒሱ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ እተን ትራክተራት ግዜአን ሓልየን ኣብ ኩሉ መስርሕ ሕርሻ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህባኦም ተላብዮም።

Categories