ሰንሰለታዊ ፋርማሲታት ኤርትራ፡ መድሃኒት ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ሕብረተሰብ ንምብ’ጻሕን ኣገልግሎቱ ንምስፋሕን ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ ተስፋስላሴ ገደል ገሊጹ።

ኣቶ ተስፋስላሴ፡ ዕላማታት ትካሎም – ቀጻልነት ቀረብ መድሃኒት ምርግጋጽ፣ ውሑስን ኣድማዕን መድሃኒት ብርትዓዊ ዋጋ ምቕራብ፣ ከምኡ’ውን ቅኑዕ ሓበሬታ ብዛዕባ መድሃኒትን ኣጠቓቕማኡን ምሃብ ከምዘጠቓልል ብምሕባር፡ ነዚ ንምትግባር ዛጊት ኣብ መላእ ሃገር 13 ፋርማሲታት – ማለት ኣብ ኣስመራ፡ ከረን፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱ፡ ተሰነይ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ቐይሕን ባጽዕን ተኸፊተን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ኣብሪሁ። ኣብ 2021 ንዝነበረ ንጥፈታት ምስ ናይ 2020 ብምንጽጻር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ተስፋስላሴ፡ ዕድጊ ብ27 ሚእታዊት፣ መሸጣ ድማ ብ23 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ፣ ኣብ 2020 ልዕሊ 420 ሽሕ ዝነበረ ቊጽሪ ተገልገልቲ፡ ኣብ 2021 ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ናብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ኣረዲኡ።

ምስ ትካል ፋርሚኮር ብምትሕብባር፡ ንዝወሃብ ኣገልግሎት ብ20 ሚእታዊት ክብ ምባልን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣገልግሎት ምስፋሕን፡ ካብ ቀንዲ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ መደባቶም ከምዝዀነ ድማ ሓቢሩ።

ንዓቕሚ-ሰብ ብዝምልከት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት 11 ኣባላት ካብ ተሓጋገዝቲ ናብ ተክኒሻን ፋርማሲ ከምእተሰጋገሩ፡ ሓደ ኣባል ድማ ናብ ደረጃ ማስተርስ ክብ ከምዝበለ ገሊጹ።

ኣቶ ተስፋስላሴ፡ ዝበዝሑ መድሃኒታት ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዛ ከምዘይወሃቡ፣ ናይ ረስኒ፡ ቃንዛ፡ ORSን መከላኸሊ ጥንሲን ዝኣመሰሉ ግን፡ ብዘይትእዛዝ እውን ክወሃቡ ከምዝከኣል ብምጥቃስ፡ ተገልጋሊ ነዚ ብግቡእ ክግንዘብ ኣተሓሳሲቡ።

Categories