ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ፋካይ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብ ወፈራዊ ራሓት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እኹል ዝናብ ስለዘይወቕዐ፡ እቶታውነት ሕርሻ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይነበረ ዝጠቐሱ ተሳተፍቲ፡ ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም ትሕተባይታዊ ማይ ንምህብታምን ኣከባቢ ንምርጋእን ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ኣደም ስዒዳይ፡ ዓድታት ዓድ-ፋካይ፡ ዓድ-ቀይእ፡ ዓድ-ቁርባን፡ ዓድ-ሰሊም፡ ዓድ-ማናን ዓድ-ሸደሊን በብከባቢኦም ይነጥፉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ መዓልታዊ 200 ጉልበት ሰብ እናወፈረ፡ ዛጊት 80 ሄክታር መሬት ከምእተጀረፈ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ 600 ሄክታር ዝሕረስ መሬት ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ፋካይ ኣቶ እድሪስ መሓመድ-ማሕሙድ፡ ናይ ማሕረስ ትራክተራት ኣብ እዋኑ ክምደባሎም ተላብዩ።

ካብ ከተማ ሓጋዝ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 15 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ 6 ዓድታት እትጥርንፍ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ፋካይ፡ ልዕሊ 2060 ነበርቲ ኣለውዋ።

Categories