ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትማሊ 28 ሚያዝያ ኣብ ‘ሆቴል ኣስማራ ፓላስ’ ኣብ ዝዓደሞ፡ ወከልቲ ዝምልከተን ኣካላት መንግስትን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ሓለፍቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት፡ ኣርባዕተ ቀንዲ ሰነዳት ዝሓዘ ናይ 5 ዓመት ስትራተጅያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕና – ንትግባረ ኣበጊሱ።

እቶም ካብ 2022 ክሳብ 2026 ዘገልግሉ ውጥናት፡ ሳልሳይ ስትራተጅያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕና፣ እኩብ እማመ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ኣብ ኤርትራ፣ ሰነድ ምክትታልን ምግምጋምን ትግባረ ሳልሳይ ስትራተጅያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕና፣ ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ኤርትራ – ዝብሉ እዮም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑር-ሕሴን፡ ንህልው ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ጥዕና ኣብ ግምት ዘእተወ ሃገራዊ ፖሊሲ ጥዕና ኤርትራ፡ ጥዕናን ድሕነትን ኣብ ሃገርና ንምውሓስ – ዘሎ ጽኑዕ መብጽዓ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቶም ንትግባረ ተበጊሶም ዘለዉ ቀንዲ ሰነዳት ስትራተጅያዊ ውጥን ምዕባለ ጥዕና፡ ባህግን ትጽቢትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት ጥዕና ንምስማር ኣገደስቲ መሳርሒታት ምዃኖም ገሊጻ።

ኤርትራ፡ ካብ 1991 ኣትሒዛ ብዘካየደቶ ዕቱብ ጻዕሪ፡ ኣብ ጽላት ጥዕና ርኡይ ምዕባለ ከም ዘመዝገበት ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ሓደጋ ሞት ህጻናት ትሕቲ 5 ዓመት ብ75 ሚእታዊት፣ መጠን ሞት ኣዴታት ብ82 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝበለጸ ከምዝዀነ ኣገንዚባ።

ንሓሙሽተ ዓመታት ዘገልግል 3ይ ስትራተጂያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕና፡ ትግባረ ቀዳምነታት ጽላት ጥዕና ብምቅልጣፍ፡ ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ ቁጠባዊ ልምዓት ምስ ማሕበራዊ ምዕሩይነትን ፍትሕን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር ድማ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ጨንፈር ፖሊሲን ውጥንን ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ፡ እቲ ዕላማ – ነቲ ምስ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ብዝሳነ መንገዲ ዝተዳለወ ሰነዳት ዘጠቓልል ውጥን፡ ምስ ኩሎም ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ንምልላይ ምዃኑ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዕብየት ጽላት ጥዕና ኤርትራ ዝህልዎ ተራ ድማ ብቐሊል ከምዘይጥመት ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲ፡ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶ/ር ብርሃነ ደብሩ ብወገኑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና በብሓሙሽተ ዓመት ስትራተጅያዊ ውጥን ስራሕ ንትግባረ ከምዘበግስ፡ እዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ከኣ – ነቲ ዝጸንሐ ብግቡእ ብምግምጋም ዝተዳለወ ብምዃኑ፡ ናብ ዝበረኸ ንምስጓም ሓጋዚ ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

Categories