ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዝተወደበ ስልጠና፡ ን166 ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ተዋሂቡ።

እቲ ስልጠና፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን፡ ምሕደራ ግዜን ንብረትን፡ ምሕደራን ዕቃበን ሰነዳት፡ ምሕደራ ፋይናንሳዊ ኣታዊታት፡ ከምኡ’ውን ግቡእ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብቲ ትማሊ 15 ሚያዝያ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ተኪኤ ቀለታ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ካብ ቀዳምነታት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ብዝቐሰምዎ ፍልጠት፡ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ከረጋግጹ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ገሊጹ።
ሓላፊ ኣሃዱ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣቶ በረኸት ታደሰ ብወገኑ፡ እቲ ስልጠና ንዓቕምታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ምንባሩ ብምሕባር፡ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥምዎም ብድሆታት ንምፍታሕ ከምዝሕግዞም ኣብሪሁ።

ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ንዝቐሰምዎ ስልጠና ምርኩስ ብምግባር፡ ንዝመረጾም ህዝቢ ብተወፋይነት ከገልግሉ ቃል ኣትዮም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ኣብ ዝሃቦ መዛዘሚ ቃል፡ ብመንግስቲ ዝውጠኑ መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባርን ንህዝቢ ጽፉፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ምምሕዳራት ዞባ ንኡስ ዞባታትን ኣብ ጐኖም ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

Categories