ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ራብዓይ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ውዳበ፡ መንእሰይ ጠዓመ ማሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልምዓታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ስፖርታውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ዝተተግበሩ ንጥፈታት ብመንጽር ዝነበሩ ብድሆታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ፡ ጥርናፈን ንቕሓትን ክዓዝዝ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸትኣብ ብወገኑ፡ ንተራን ኣበርክቶን ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ብምምጓስ ኣስታት 45 መንእሰያት ሰራሕተኛታት ንኡስ ዞባ ሃበሮ ነፍሲ-ወከፎም ሓሓደ ደቂ ስዉኣት ወይ ስድራ ስዉኣት ንምእላይ ዝወሰድዎ ሓላፍነት ትርጉሙ ረዚን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብካልኦት’ውን ክሰዓብ ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ መምህር ሳልሕ ኢብራሂምን መምህር እስማዒል መሓመድ-ኑርን ብወገኖም፡ ሞያን ፍልጠትን ዝዓጠቑ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ንሕብረተ-ሰቦም ኣብ ምግልጋልን ንተካእቲ ወለዶ ኣብ ምምእዛንን ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ዝምስገን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምሕጋዝ ጽጉማትን ስድራ ስዉኣትን፣ ምስልሳል ማእቶታውን ልምዓታውን መደባት፣ ከምኡ’ውን ምሕያል ውዳበታት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ ጉባኤኛታት፡ 15 ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል ድሕሪ ምምራጽ፡ ልምዓታዊ መደባት ንምድንፋዕን
ኣፍራይነቶም ንምዕባይን ብዝለዓለ ክነጥፉ ወሲኖም።

Categories