ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ዘምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ዓንሰበ፡ ብቚጽሪ ክውስኻን ብትሕዝቶ ክምዕብላን ምእንቲ ዕቱብ ቈላሕታ ክወሃበን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ኣብ ከተማ ከረን እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን – መምህር ዓልያ ዓብደልቓድር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ንፈተነ ተባሂላ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2012/2013 ብውሱናት ተመሃሮ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ጠቒሳ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ዝኾነ ምምሕያሽ ከይተገብረላ ትቕጽል ከምዘላ ሓቢራ።

ተመሃሮ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፡ ነብሰ-ምትእምማን ከጥርዩን ምስ ሕብረተ-ሰብ ብቐሊሉ ክሕወሱን ዝሕግዞም ትምህርቲ ከምዝወሃቦም ብምግላጽ ከኣ፡ ምስ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ፡ ቊጽሪ ናብ’ታ ቤት-ትምህርቲ ዝመጹ ቈልዑ እናበዝሑ ይመጹ ስለዘለዉ፡ ዘለዋ ናይ መሳለጥያታት ሕጽረትን ጽበት ክፍልን ፍታሕ ክግበረሉ ተላብያ።

ሓላፊ ጨንፈር ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኢብራሂም ሳልሕ ብግደኡ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ኳ እንተኾነት፡ ማሕበር ብዓቕሙ፡ ነቶም ዕብይ ዝበሉ ናይ ስእልን ካይላን ስልጠናታት ክህብ ጀሚሩ ምንባሩ፡ እንተዀነ ግን ምስ ክስተት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከምእተቛረጸ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባታት ከረን፡ ሓጋዝ፡ ዒላበርዕድ፡ ሓመልማሎን ዓዲ-ተከሌዛንን ልዕሊ 480 ኣባላት ማሕበር ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ኢብራሂም፡ ኣብ’ተን ተሪፈን ዘለዋ ንኡስ ዞባታት ንምስፍሑ መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ከረንን ሓጋዝን ን11 ስድራ-ቤታት ብመጥሓን እኽሊ፡ መፍረ ደርሁን ንኡስ ንግድን ከምዘጣየሰ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ከረን 34፡ ኣብ ሓጋዝ ድማ 51 ብድምር 85 ምስ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዝነብሩ ተመሃሮ ኣለዉ።

Categories