ምርግጋጽ ማሕበራዊ ድሕነት ዜጋታት፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ስለዝዀነ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ብዛዕባ ዝተሰላሰለ መደባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ን459 ዘኽታማት ቈልዑ ዝኣልያ 131 ስድራ-ቤታት ብጠቕላላ ብልዕሊ 1.3 ሚልዮን ናቕፋ በብዝመረጽኦ ከምዝተጣየሳ፡ ከምኡ’ውን 1,170 ምስ ኤች.ኣ.ይቪ ዝነብሩ ዘኽታማትን ጽጉማትን ቈልዑ ብልዕሊ 5 ሚልዮን ናቕፋ ተጠቀምቲ መኣዛዊ መግቢን መናውሒ መድሃኒትን ከምዝዀኑ ኣብሪሁ።

ቈልዑ ብሰንኪ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይሰናኸሉ’ውን፡ ኣብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ን4,850 ቈልዑ ናይ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ከምእተገብረ፣ ከምኡ’ውን 7 ዘኽታማት ቈልዑ ብመልክዕ ጡብነት ምስ ወለንታውያን ስድራ-ቤታት፣ 4 ድማ ምስ መቕርብ ከምእተወገኑ ኣረዲኡ።

ንስድራ ስዉኣት ንዝግበር ሓገዝ ብዝምልከት ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ንኣስታት 62 ሽሕ ስድራ ስዉኣት ልዕሊ 227 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ክኽፈል እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ዜጋታት ዘወፈይዎ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ናቕፋ፡ ብምምሕዳራት ንዝተለለያ 343 ኣዝየን ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ከምእተመቓርሐ፣ ከምኡ’ውን ልዕሊ 48 ሚልዮን ናቕፋ ን4,515 ተኣለይቲስንኩላን ኲናት ወጻኢ ከምእተገብረ ሓቢሩ።

ኣቶ ምሕረትኣብ ኣስዒቡ፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ – ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽ፡ ባረንቱ፡ ጎልጅን ተሰነይን ልዕሊ 500 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 1,251 ጽጉማት ወገናት ብዓረብያ ካሮ፣ ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ጋሽባርካ፡ ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪን ድማ ልዕሊ 304 ጽጉማት ስድራ-ቤታት ብልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ብንግድን ጥሪትን ከምእተጣየሳ ኣነጺሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዞባ ማእከል 29 ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ ማእለማን ስፌት ክዳንን ሰልጢነን ክጣየሳ ከለዋ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ 51 ጽጉማት ደቂኣንስትዮ ብሞያ ሲንጀርን ኣሰራርሓ መግብን ይስልጥና ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት ጉጅለ ፓልቶክ ‘ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም’ ዝዀኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ክልተ እብረ ብዝለኣኽዎ ኣስታት 4.4 ሚልዮን ናቕፋ፡ 91 ስድራ ስዉኣትን 4 ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናትን ናይ ምጥያስ መደብ ተጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories