ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ኣብ ዝርከብ ሕሩም ሕዛእቲ ኢራ-ታሕታይ ዝተኸላኦ ፈልሲታት ኣግራብ፡ ኣብ ምርጋእ መሬትን ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነትን ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ኣሎ።

እዚ ኣብ 40 ሄክታር ዝተኸለለ ሕሩም ሕዛእቲ፡ 28 ሽሕ ፈልሲታት ቀላሚጦስን 12 ሽሕ ዒቃን ከም እተተኽለሉን፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብኡ ከምዝጸደቐን ዝጠቐሰ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበለ ባህሪያዊ ኣግራብን ሳዕሪን ይስስን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኩነታት ናይ’ቲ ኣግራብ ንምዕዛብ ዑደት ዝገበራ – ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ኣምና ሓሰን እትርከበን ኣባላት ማሕበር፡ በጺሑዎ ብዘሎ ደረጃ ከምእተሓጐሳ፡ ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕ ድማ ምክትታለን ከምዝቕጽላኦ ገሊጸን።

ብካልእ ወገን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት – ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን ኮይነን ዝተመርጻ 38 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ29ን 30ን መጋቢት ዓቕመን ዘበርኽ ስልጠና ተዋሂቡወን።

እቲ ብክኢላታት ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን፣ ንቕሓት ምዕሩይነት፣ ምሕደራን ባህሊ ሕብረተ-ሰብን፣ ኣገዳስነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት፣ መሰረታዊ ሜላታት ምሕደራ፣ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት፣ ኣተዓቓቕባ ሰነዳት፣ ኣቀራርባ ጸብጻብ፣ ከምኡ’ውን ምሕደራ ግዜን ንብረትን ዝብል ኣርእስትታት ዘጠቓለለ ነይሩ።

Categories