ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ቁጽሪ ተመሃሮ ብ16.6 ሚእታዊት፣ መጠን ምሕላፍ ድማ ብ18.8 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ተሓቢሩ።

ኩነታት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምግምጋም፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ሓላፊ ትምህርቲ መምህር ህያቡ ጐይትኦም፡ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠናዊ ዕብየት ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ንምድያብ፡ እቲ ጻዕሪታት ብዝለዓለ ክቕጽል ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኩነታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቐርቡ ተመሃሮ፡ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ ትሑት ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ምስ ወለዲ ተሓባቢሮም ብዕቱብ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዘርኣይ በርሀ ድማ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ምንቁልቋል ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንምውጋዱ – መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ኣካላት መንግስትን ብሓባር ክሰርሑ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዳሳት ዘምህራ ኣብያተትምህርቲ ቈላሕታ ክግበረለን፣ ኣብ መባእታ ምኲራት መማህራን ክምደቡ፣ ዓቕሚ ተመሃሮ ዘዕቢ ኣገባብ ኣመሃህራ ክድፋኣሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories