ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ኣብ ካብ 3 ክሳብ ምሉእ 4 ነጥቢ ዘምጽኡ 15 ኣባላት መበል 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሸሊሞም።

ብ2 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቃል ዘስመዐ ዳይረክተር ናይ’ታ ኣብ እምባደርሆ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መምህር ጐይትኦም ነጋሽ፡ ንተመሃሮ ዝግበር ምትብባዕ ኣብ ናይ መጻኢ ጒዕዞ ትምህርቶም ደፋኢ ሓይሊ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ወለዲ ድማ ብፍላይ ምስ ቤት-ትምህርቲ እናተሓባበሩ ክደፍኡሉ ተላብዩ።

ወኪል ኮሚቴ ወለዲ መምህር ዮውሃንስ ኣስጐዶም፡ እቲ መደብ ኣብ ርእሲ’ቲ ንተሸለምቲ ዝህቦ ሞራላዊ ምትብባዕ፡ ንካልኦት ቅዱስ ቅንኢ ዝፈጥር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ተሸለምቲ ሒዞምዎ ብዘለዉ ቅኑዕ ማእዝን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል እውን፡ ተመሃሮ ከይተዛነዩ ጻዕርታቶም ከሐዪሉን፡ ኩሉ ኣድህቦኦም ናብ ትምህርቲ ክገብሩን ተላብዩ።

Categories