ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ31 መጋቢትን 1 ሚያዝያን ኣብ ዝተወደበ ናይ ምልውዋጥ ተመኲሮ መድረኽ፡ ንሓደስቲ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሓላፊ ክፍሊ ስታቲስቲክስን ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታን ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡ እቲ ክፍሊ ብዛዕባ ዘሰላስሎ ንጥፈታትን ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብ ምዕዋቱን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ምምሕዳራት፡ ኣብ ከክልተ ዓመት መዝገብ ነበርተን ንምጽፋፍ ዝስርሓሉ መደብ ከምዘሎ – እንተኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም’ቲ ዝድለ ክስጒም ከምዘይጸንሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ቴድሮስ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ግንቦትን ሰነን ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ኩለን ምምሕዳራት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ስድራ-ቤት መዝገብ ከጻፍፋ መደብ ተዋሂቡ ስለዘሎ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩዎም።

ነፍሲ-ወከፍ ምምሕዳር፡ ንዝተመዝገቡ ነበርቲ ምሉእ ኣገልግሎት ከምዝህብ ምርግጋጽ፣ መንእሰያት 18 ዓመት ዕድመ ኣብ ዝመልኡሉ – ወረቐት ሃገራዊ መንነት ከውጽኡ ጐስጓሳት ምክያድ፣ ነባሪ ናይ ዝነብረሉ ገዛ ንጹር ኣድራሻ ኣብ ሰነዱ ከምዝተሓዝ ምርግጋጽ፣ ኣብ ውልቀ-ሰባት ናይ ዝህሉ ምቅይያር ሓበሬታ መስርሕ፡ ስሉጥን ጽፉፍን ከምዝኸውን ምግባር፣ ካብ’ቲ ኣመሓደርቲ ከባቢ ብዕቱብ ክሰርሑሉ ዝግባእ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ነቲ ዘመሓድርዎ ከባቢን ነባሪኡን ብደቂቕ ክፈልጡዎን፡ ዝሕንጸጹ መደባት ኣብ ምትግባር መሪሕ ተራ ክጻወቱን ኣዘኻኺርዎም።

Categories