ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ግራውቲ ናይ ምድልዳል ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ገብረሂወት በየነ፡ ሓረስቶት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክራማት ተመኲሮ ብምቕሳም፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብ – ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዝተፈላለየ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ መዓልታዊ 300 ሰባት ብምስታፍ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ማእቶት፡ ኣካል ናይ’ቲ እቶታውነት ሕርሻ ክብ ንምባል ዝሰላሰል መደባት ከምዝዀነ እውን፡ መንእሰይ ገብረሂወት ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ገራሁ ዝግበር ናይ ምጅራፍን ምዝላይን ንጥፈታት፡ ኣብ እቶታውነት ኣገዳሲ ጽልዋ ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ናይ ትራክተራት ደገፍ ክግበረሎም ሓቲቶም።

Categories