ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቴማ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብ29ን 30ን መጋቢት ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ ሼኽ፡ ውሕስቲ፡ ብልጽግትን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈናን ሃገር ንመጻኢ ወለዶታት ንምርካብ ረዚን ዋጋ ከምእተኸፍለ፣ ሎሚ መኸተና ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ድሕነታውን ካልእን ናይ ዝተዓሙ ንጥፈታት ጸብጻብ፣ ከምኡ’ውን ን2022 ዝተታሕዙ መደባት ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ ቀረብ ማይ ዘሎ ብድሆታት፣ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፣ ብቕዓት ትምህርትን ተሳታፍነት ተመሃሮን ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሓት፣ እቶታውነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝትግበሩ ዘለዉ መደባት፣ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን እውን መብርሂ ተዋሂብሎም።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ቈልዑ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝሳተፉ ምግባር፣ ሽግር ዝስተ ማይ ዳህላክ፡ ባዳ፡ ናሮ፡ ቅላመትን ከተማ ኣፍዓበትን ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሉ፣ ጥሕሰት ሕጊ መሬት ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ፣ ኮም ዝሰረቱ ከባቢያዊ ጽሬት ብዕቱብ ክተሓዝ ዝብሉን ካልኦትን ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ጠለባት ህዝቢ ምስማዕን መፍትሒታት ምቕራብን ሓላፍነት ባይቶ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ልምዓት ብዘይ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ስለዘይዕወት፡ ባይቶ ካብ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ክሰርሓሉ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ኣቕርቦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ሓሓሊፉ ዝርአ ጉድለታትን ሕብረተ-ሰብ ዘልዕሎ መሰረታዊ ሕቶታትን፡ ኣብ ትግባረ መደባት ብኣሉታ ስለዝጸሉ፡ ኣብ ምፍዋሱ ውህደት ናይ ኩሎም ኣካላት ወሳኒ ምዃኑ ድማ ኣስሚራትሉ።

Categories