ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ዓቕሚ መማህራን ክብ ብምባል ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከጋጥሙ ዝጸንሑ ጸገማት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዝሕግዝ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ወዲቡ።

ዳይረክተር ‘ማሞስ’ መምህር ተስፋይ ተወልደ ብ30 መጋቢት ምስ ኣሰልጠንቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እቲ መደብ ብኣውራኡ – በብዓውዱ ብቑዓትን ተወዳደርትን መንእሰያት ንምፍራይ ምዃኑ ብምሕባር፡ መማህራን ዘለዎም ሞያዊ ብቕዓትን ክእለትን ክብ ንምባል፡ ነቲ ትምህርቲ ብዕቱብ ክከታተልዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያዊ ትምህርቲ ዝነጥፉ፡ ልዕሊ 100 መማህራን ክሳተፉ እዮም።

ምሕደራን ኣጠቓቕማን ንብረትን ሰነዳትን፣ ጽገናን ኣተሓሕዛን ማሽናትን መሳርሒታትን፣ ኣገባብ ኣመሃህራን ኣገማግማ ንጥፈታትን፣ ምድላው ውጥንን ምሕደራ ግዜን. . . ዝለዓለ ኣተኵሮ ተዋሂብዎም ከምዘሎ፡ መምህር ተስፋይ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

Categories