ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሃማመተኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ ብ28ን 29ን መጋቢት ንጥፈታቱ ብምግምጋም ቀዳማይ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ ዝቐረበ ናይ ሰለስተ ዓመታት ጸብጻብ፡ ኣብ ምስግጋር ክብርታት ሕብረተ-ሰብን ሰውራን፣ ምስፋሕ ውዳበን ምብራኽ ንቕሓትን፣ ስድራ ስዉኣት ኣብ ምሕጋዝ ከምኡ’ውን ‘ኮቪድ-19’ ኣብ ምክልኻል ዝምስገን ስራሕ ከምእተሰላሰለ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ኣብ ናይ መጻኢ መደባት ብምዝታይ፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጾም።

ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ውድባዊ ጉዳያትን ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ፡ ንጉባኤኛታት ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዎም መረዳእታ ብምዕማቚ፡ ብድሆታት ብንቕሓት ኣብ ምምካትን ተተግባሪ መደባት ኣብ ምውጣንን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሮም።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ኣቶ መሓረና ተኽለኣብ ድማ፡ እቲ ውዳበ ኣብ ምሕጋዝ ዝተጸገሙ ወገናት ክገብሮ ንዝጸንሐ ተራ ብምጥቃስ፡ ውዳቤታቱ ብምስፋሕ ናይ ምግባር ዓቕሙ ከሐይል ተላብዩ።

Categories