ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ብ28ን 29ን መጋቢት ምስ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ገደብ ስልጣንን ንምልላይ ኣብ ዝተወደበ መደብ፡ ናይ ስራሕ መምርሒ ተዋሂቡ።

ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ፡ ቤትጽሕፈት ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን – ንዕማማት ኣሃዱታቶምን ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብ ምዕዋቱን ብዝምልከት መብርሂ ክህቡ እንከለዉ፣ ባህርያዊ ሃብቲ ንክዕቀብ፣ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ተጠቃምነትን ክንክንን ክረጋገጽ፣ ህዝቢ ብንቕሓት ተሳትፎኡ ኣብ መደባት ልምዓት ንከዕዝዝ ምስራሕ፡ ልዑል ኣተኲሮ ክወሃቦ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርአ ጸገም ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ሕጽረት ትካላት ጥዕናን ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ናይ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ሽግራት ንምፍታሕ ዝተታሕዘ መደባት እንተሎ – ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ።

ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣብ ኣገባቡን መምርሒታቱን ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ምርጫታት ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ከክልተ እዋን ጐስጓሳት ከምእተኻየደ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ከምእተንጸባረቐ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ብዝተነብረሎም ሓላፍነትን ዝተዋህቦም ኣማእዛኒ መምርሒ ስራሕን፡ ንዝመረጾም ህዝቢ ብትግሃትን ተወፋይነትን ከገልግሉ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ብወገኑ ኣድላዪ ደገፍ ክገብረሎም ተላብዩ።

Categories