ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ፡ ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ዘሰልጠኖም 23 ዜጋታት፡ ብ24 መጋቢት ተመሪቖም።

ተመረቕቲ – 10 ደቂ-ኣንስትዮ ብሞያታት ቅዲ ክዳን፡ ኢደ-ጥበብን ሲንጀርን፣ 4 ደቂ-ተባዕትዮን 9 ደቂ-ኣንስትዮን ድማ ብኮምፕዩተር ግራፊክስን ቪድዮ ኤዲቲንን እዮም ሰልጢኖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ማሕበረቁጠባዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ትርሓስ ኣርኣያ፡ እቲ ብስማዊ ክፍሊት ዝተዋህበ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዓቕሚታት መንእሰያት ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምምዕባል በብግዜኡ ዝውደብ ስልጠናታት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምምሕያሽ ሂወት ሰልጠንቲ ደፋኢ ተራ ከምዘለዎ ሓቢራ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ኣምና ሓሰን ብወገና፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎ ኣዘኻኺራ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ማሕበረቁጠባዊ መነባብሮ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝውደቡ ስልጠናታት ሸቶኦም ንክወቕዑ፡ ግቡእ ምክትታል ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።

Categories