ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 28 መጋቢት ተኻዪዱ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዑስማን እድሪስ፡ እቲ ኣካል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዀነ ቅነ፡ ዕላማኡ ዝንባለታት ተመሃሮ ንምምዕባልን ባይታ ምልውዋጥ ተመኲሮ ንምጥጣሕን ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምምሕዳራትን ነበርትን ድማ ሞጒሱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ምድንፋዕ መስርሕ ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ባህላውን ስፖርታውን ውድድራት ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ደረጃ ንኽውደብ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣበርክቶኡ ከምዘዕዝዝ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዘርግሓ – 21 ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

Categories