ኣባል ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን – ገዲም ተጋዳላይ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ በርሀ፡ ብ30 መጋቢት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ኢንጅነር ሰመረ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ውድብ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ ብደረጃ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 31 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories