ሂላል ወርሒ ሮሞዳን፡ ሎሚ ዓርቢ 29 ሻዕባን 1443 ህጅርያ – ማለት 1 ሚያዝያ 2022 ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ምስ ዝረጋገጽ፡ ቀዳም 2 ሚያዝያ ፈላሚት ዕለት ወርሒ ሮሞዳን 1443 ትኸውን።

ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ዓርቢ ምሸት ምስ ዘይረጋገጽ ግና፡ ምጅማር ወርሒ ሮሞዳን 1443 ህጅርያ፡ ሰንበት 3 ሚያዝያ 2022 ይኸውን።
ርሑስ ጾም! ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ

Categories