ብምውህሃድ ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ኣብ ዝተወደበ፡ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝተሳተፉ 102 ተመሃሮ ተመሪቖም።

እቲ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዝተዋህበ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና፡ መሰረታዊ ኮምፕዩተር፡ ኤዲትንን ስነ-ጽሑፍን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኣካል ናይ’ቲ ሞያዊ ብቕዓት መንእሰያት ንምብራኽ በብከባቢኡ ዝውደብ ዘሎ ስልጠናታት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብ25 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ዲን ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ፕሮፌሰር ወልደኣምላኽ ኣርኣያ፡ እቲ ኮሌጅ ኣብ ርእሲ’ቲ ብሕርሻዊ ስነ-ፍልጠት፡ ሕርሻዊ ምርምርን ቴክኖሎጂን ብዲግርን ዲፕሎማን ዝህቦ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ንሓረስቶትን ትካላትን ምኽርን ስልጠናን እውን ከም ዝውድብ፣ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ተመሃሮ ንምብራኽ ድማ ዝተፈላለየ ስልጠናታት ከምዝህብ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ፕሮጀክት ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን መንእሰይ ሜሮን ኣብርሃም ብወገኑ፡ መንእሰያት ተመሃሮ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ሞያዊ ትምህርቲ ተገንዚቦም፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክግስግሱን ብቕዓቶም ክዕብዩን ተላብዩ።

Categories