ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ጋሽባርካ ዝርከብ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይ፡ ኣተሓሕዛኡን ምሕደራኡን ንምምሕያሽ – ብ23 መጋቢት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብዓውደ-ዘተ ተዘሪብሉ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዓሊ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ክኢላታት ክፍሊ ሃብቲ ማይን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ማይ ሓደ ካብ ሃለኽትን ብቐሊሉ ክብከሉ ዝኽእሉን ጸጋታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ምሕደራኡን ኣተሓሕዛኡን ልዑል ቈላሕታ ከምዘድልዮ ተዘሪብሉ።

ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሃብቲ ማይ ኣቶ መብራህቱ እያሱ፡ ሕብረተሰብ ጽሬቱ ዝተሓለወ እኹል ቀረብ ማይ ንኽረክብ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምውሃህድ ኣተባባዒ ስራሕ ከምእተዓመ፣ እንተዀነ ኣተሓሕዛ ናይ’ቲ ፕሮጀክታት ከም’ቲ ዝድለ ስለዘይነበረ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብርክት ዝበላ ትካላት ማይ ኣገልግሎተን ከምዘቋረጻ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ዞባ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ 80 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ምንጪ ጽሩይ ማይ ተዋሒስሉ ከምዝነበረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ምብልሻው ፕሮጀክታት፡ ሕጽረት መቀያይሪ ኣቚሑ፡ ድኻም ምሕደራን ዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛ ኣታዊታትን፡ እቲ ሸፈነ ናብ 60 ሚእታዊት ከምዝወረደ ተገሊጹ።

Categories