ኣብ ሳዋ፡ ብምትሕብባር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሃማመተኤን ኣብ ዝተወደበ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ስልጠና ኣርትዖት ስእልን ግራፊክስን ዝተሳተፉ – 35 ተመሃሮ ‘ማሞስ’ ተመሪቖም።

ብ26 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – መንእሰይ ሓሰን መሓመድኑር፡ ተመረቕቲ ዝወሰድዎ ትምህርቲ ብስራሕ ኣማዕቢሎም ንካልኦት ኣርኣያ ክዀኑ ተላብዩ።

ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት መምህር ተስፋይ ተወልደ እውን፡ ኣገዳስነት ስልጠና ኣብ ምምዕባል ዓቕሚታት መንእሰይ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ዕላማኡ ብዝግባእ ተገንዚቦም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኣስመራ እውን፡ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ትያትር – ብዓውዲታት ድራማን ፊልምን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም 130 መንእሰያት፡ ብ27 መጋቢት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ እቲ ትምህርቲ ዕላማኡ – ብቑዕ ሞያ፡ ፍልጠትን ዲሲፕሊንን ዝዓጠቐ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰቡ ብግቡእ ዝፈልጥን ዝዕቅብን ስነ-ጥበባዊ ንምፍራይ ምዃኑ ተገሊጹ።

Categories