ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍላተ- ሰራዊት 70ን 16ን ነበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኣብ ዞባ ማእከል – ከባቢ ማይድምነት ካብ ዝተኸልዎ ፈልሲታት፡ እቲ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ፍስሃየ ሓቢሩ።

ዝተኸልዎ ፈልሲታት ንምክንኻንን ዝሓረረ ንምትካእን ብቐዳም 26 መጋቢት ወፈራ ኣብ ዘካየዱሉ ኣጋጣሚ፡ ተጋዳላይ ዓንደብርሃን፡ ካብ 50 ክሳብ 70 ዝዀኑ ኣባላት ኣብ ወርሒ 4 ግዜ እናወፈሩ – ስሩዕ ምክትታልን ምክንኻንን ይገብሩ ከምዝነበሩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዝመጽእ ክራማት ንዝተኽልዎ ፈልሲታት ዝኸውን፡ ኣማኢት ጐዳጒዲ ከምዘዳለዉ ገሊጹ።

እቶም ኣባላት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እውን፡ እቲ ስራሕ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀንዲ ዕላማኡ – ስኒቶምን ጥምረቶምን ዘሐይልን ቀጻልነቱ ዘውሕስን ብምዃኑ፡ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ብምስትብሃል ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ድማ ተላብዮም።

ኣቐዲሞም ብ12 መጋቢት፡ ልዕሊ 40 ማሕበራት ተጋደልቲ፡ ኣብ ከባቢ ማይድምነት፡ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ኣካዪዶም ነይሮም።

ንሳቶም እውን፡ ክኢላታት ሕርሻ ብዝሃብዎም ሞያዊ ደገፍ እናተመርሑ፡ ነቲ ከባቢ ንምፍዋስን ንምልማዕን ከምዝነቐሉን ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎን ገሊጾም ኣለዉ።

Categories