ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ንጥፈታቱ ንምብርባር – ብ23 መጋቢት ዘተ ኣካዪዱ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ወይኒ እምባፍራሽ፡ ማሕበሮም ጽቡቕ ርእሰ-ማል ኣዋህሊሉ ክነጣጠፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 3-4 ዓመታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝሕታለ ከምዘርኣየ፡ ኣብ 2021 ከኣ – ነቲ ዝጸንሐ ድኻማትን ጸገማትን ኣለልዩ ብሓድሽ ኣገባብ ብምውዳብ ስርሑ የሰላስል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ንጉሰ ወልደሚካኤል፡ ሓረስቶት ዘመናዊ መሳርሒታት ብምጥቃምን ኣሰራርሓኦም ብምምዕባልን፡ ምስ ክኢላታት ሕርሻ እናተረዳድኡ ፍርያቶም ብዓይነትን መጠንን ክብ ከብሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ኩሎም ኣልማዕቲ ጀራዲን ኣብ ማሕበር ተጠርኒፎም ሕብረተ-ሰብ ውሑስን ርትዓውን ቀረብ ኣሕምልትን ፍረታትን ንኽረክብ ብዕቱብ ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ሓገዝ ምምሕዳር ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

ኣባላት ብወገኖም፡ ፍርያቶም ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ንከቕርቡ፡ ናይ መሸጣ ቦታ ክፍቀደሎም ተላብዮም።

ኣብ 1998 ዝተመስረተ ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልቲን ፍረታትን ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ 362 ኣባላት ኣለውዎ።

Categories