ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ እምኒ-ሓይሊ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,727 በጺሑ ኣሎ።

9,620 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 4 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 29 መጋቢት 2022

Categories