ሕብረተ-ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከባ ግዳያት ፊስቱላ፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ከይደን ንኽሕከማ ከተባብዐን፡ ክኢላ መወለዳን ዶ/ር ሃብተ ሃይለመሎኮት ኣዘኻኺሩ።

ዶ/ር ሃብተ ነዚ ዘዘኻኸረ፡ ወከልቲ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ዝኾና ኣባላት ሃማደኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ብ19 መጋቢት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ንዝሕከማ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ ኣብ ዝበጽሓሉ እዩ።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራ ዝመጽኣ ደቂ-ኣንስትዮ ይሕከማ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ዶ/ር ሃብተ፡ ንቀንዲ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ፊስቱላ ዝምልከት ዝርዝራዊ መረዳእታ ሂቡ።

ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ወ/ሮ መሰለሽ ለገሰ፡ ግዳያት ፊስቱላ ብዝረኽባኦ ሕክምናን ናብዮትን ሓውየን ናብ ሕብረተሰበን ክጽንበራ ምኽኣል፡ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ጠቒሳ፡ ነተን ነዚ ዕድል ዘይረኸባ – ፊስቱላ ዝሕከምን ዝፍወስን ምዃኑ ኣብ ምእማነን ክሰርሓ ምዃነን ገሊጻ።

Categories