ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ቀረብ ሕርሻዊ ፍርያት ብርትዓዊ ዋጋ ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኮርፖረሽን ሜጀር ክብረኣብ ኣብራሃም ገሊጹ።

እቲ ሓረስቶት ከይተጸገሙ – ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ጽቡቕ እቶት ክረኽቡን ብኣዝዩ ስማዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ማሕረስን ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ጥሪትን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ደገፍ መደብ እውን፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ሜጀር ክብረኣብ ሓቢሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ኣብ ሓልሓለን ካልእ ከባቢታትን ዝፈሪ ፍርያቱ ናብ ተጠቃማይ ህዝቢ ዘቕርበሉ ትካል፡ ኣብ ከተማ ድባርዋ ከፊቱ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣሕምልቲ፡ ባናናን ጸባን፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ብርትዓዊ ዋጋ ይሸይጥ ከምዘሎ፡ ኣባል’ቲ ኮርፖረሽን መንእሰይ ክብሮም ብርሃነ ሓቢሩ።

ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ኣብ ሓልሓለ፡ ኣለቡ፡ ገርሰት፡ ፋንኮ፡ ዒላበርዕድ፡ ከርከበት፡ ደቀምሓረን ካልእ ከባቢታትን፡ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓትን ምምስራሕ ውጽኢት ሕርሻን ይነጥፍ።

Categories