ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡ ንመድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ቴማ ካብ 5 ክሳብ 19 መጋቢት ኣብ መላእ ከተማታት ጀርመን ክካየድ ዝቐነየ መደባት፡ ብ20 መጋቢት ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 500 ዜጋታት ብማንዛ ዝተሳተፍዎ ሰሚናር፡ ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱን ጸሓፊ ሃገራዊ ሽማግለ ኣቶ ሙሴ ፍስሃየን፡ ምብራኽ ንቕሓትን ምሕያል ጥምረትን ሃገራውያን ውዳቤታት እዋናዊ ተልእኾ ብምዃኑ፡ ብዝለዓለ ከምዝስራሓሉ ገሊጾም።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተ ብወገኑ፡ “ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፡ ናይ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡ ምዕቃብ ልኡላውነትን መደባት ህንጸትን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ወ/ሮ ዑቕባ ኣፈወርቂ እውን፡ ሃገራዊ ናጽነት ንምርግጋጽ፡ ጾታዊ ኣድልዎ ንምውጋድ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነት ደቂኣንስትዮን ንምርግጋጽ – ማሕበር ብዝተወደበ ኣገባብ ባይታ ዝፈጠረ ጽላል ምዃኑ ኣረዲኣ።

እቲ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት ከምእተሰነየ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories