ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኮም ዘማእከለ ሓባራዊ መደባት ጽሬት ብሰፊሑ ንምትግባርን፡ ከም ባህሊ ንምስራጹን – ውጽኢታዊ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፡ ኣብ ዓድታት ዓዲ-ገብራይ፡ ዓዲሳልዳይት፡ ዓዲ-ሃሎ፡ ቤት-ገብሪኤል፡ ዓዲ-ዕቑባት፡ ኣማድር፡ ህርጉድ፡ ዓዲ-ገረድ፡ ማይ-ድማን ክቦነብርን ንዝተተግበረ መደባት ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዩ።

ሓላፊ ትካል ጥዕና ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ሲራክ ደባስ፡ ኣብ 2019 ካብ 6 ሚእታዊት ዘይሓልፍ ዝነበረ ሸፈነ ዓይኒምድሪ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ 77 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፣ ካብ 82 ዓድታት እተን 63 ነቲ መደብ ብምልኣት ከምዘተግበራኦ ገሊጹ።

ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ዞባ ደቡብ ኣቶ ኪዳነ መስፍን ብወገኑ፡ ጉድለት ጽሬት ጠንቂ 80 ሚእታዊት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኮም ዘማእከለ ሓባራዊ ከባብያዊ ጽሬት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ መደባት ኮማዊ ሓባራዊ ጽሬት፡ ኣብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ከይተሓለሉ ንዝሰርሑ ኣካላት ሞጒሱ።

Categories