ብኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ – ውጽኢት ሕርሻን ልምዓት ዓሳን፡ ስራሓት ማእለማን ቅዲ ክዳንን፡ ስራሓት ካይላን ናይ ቅብኣ ስእልታትን ዘጠቓለለ ትሕዝቶ፡ ካብ 24 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ ንምርኢት ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ካብ ወደብቲ ምርኢት ወ/ሮ ንግስቲ ገብረመስቀል ሓቢራ።

እዚ ኣብ ኣዳራሽ ማሕበር ሞያውያን ሕርሻ ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ሃገራዊ ፍርያት ንምትብባዕ፡ ዘሎ ዓቕሚታት ንምንጽብራቕን ባህሊ ኤርትራ ንምልላይን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ክሳብ ሎሚ 26 መጋቢት ንህዝቢ ክፉት ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ክኢላ ቅዲ ክዳን ኣቶ ኣብርሃም ስልጣን፡ ካብ’ቲ ምርኢት ንዝርከብ ረብሓታት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተወዲብካ ምስራሕ ንባዕሉ ሓይሊ ስለዝፈጥር፡ ከም’ዚ ዝበለ ምርኢት ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ኣዳለውቲ፡ ዕላማአን ተወዳዳሪ ፍርያት ብምቕራብ ጠለባት ውሽጢ ሃገር ንምምላእን ኪኖኡ ንምጥማትን ምዃኑ ገሊጸን።

ስለ’ቲ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተገብረለን ምትሕብባርን ደገፍን ድማ ኣመስጊነን።

ወጻእተኛታት ተዓዘብቲ፡ እቲ ንምርኢት ቀሪቡ ዘሎ ፍርያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዕቑር ዓቕሚታት ከምዘለወን ዘነጽር ኰይኑ ከምዝረኸብዎ ገሊጾም።

Categories