ክቡር ፕረዚደንት፣ • ኤርትራ ኣብ ምርዓም ንድፈ ውሳነ፡ A/ES-11/L2 (ጉዳይ ሰብኣዊ ሳዕቤናት መጥቃዕቲ ዩክረይን) ዝወሰደቶ መርገጺ ብዝምልከት፡ እዚ ዝስዕብ መረዳእታ ክትህበሉ ትደሊ።

• እቲ ዝተራዕመ ንድፈ ወሳነ፡ ብዘጒሂ መገዲ፡ ነቲ ብ2 መጋቢት ዝሓለፈ፡ ወኪል ኤርትራ ዝተቓወሞ ውሳነ መወከሲ ዝገበረ እዩ።

ኤርትራ ጉዳይ ሰብኣውነት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዘሕዝና ትገልጽ።

• ጉዳይ ሰብኣውነት ፖለቲካዊ መልክዕ እንተሒዙ፡ ሕመረት ጸገማት ናይቶም ብሰብኣዊ ኩነታት ዝጽለዉ ሃገራትን ህዝብታትን ብምጉሳይ፡ ፍታሕ ዝዕንቅጽ ብምዃኑ፡ ኤርትራ ኣትሪራ ትቃወሞ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ኣቓልቦ ክገብረሉ ተባሂሉ ዝቐረበ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ምይይጥ ዝተገብረሉ ዛዕባ፡ ናብ ሰብኣዊ ቀዳምነታት ዘድሃበ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እቲ ንድፈ-ውሳነ ሰብኣዊ መትከላት መሰረት ብምግባር፡ ብዝሓየለን ስሙርን ድምጺ ተቐባልነት ክረክብ ምኽኣለ።

• ኤርትራ፡ ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ንድፈ-ውሳነ L3 ተድንቕ።

እዚ ንድፈ-ውሳነ’ዚ፡ ኣብ ሰብኣዊ ቀዳምነታት ብምድሃብ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ርክባት ከዛርብ ዝጸንሐ ጉዳያት ፖለቲካዊ ምትፍናን ዝውግን ብምዃኑ፡ ኤርትራ ንንደፈ-ውሳነ L3 ክትድግፍ ቅርብቲ እያ ነይራ።

• ኣብ ሰብኣዊ ደገፋት፡ መትከላት ሰብኣውነት፡ ዘይሻርነት፡ ዘይኣድልዎነትን ናጽነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ስጉምቲታት ነዚ መትከላት’ዚ ብምልኣት ዝቕበል
ክኸውን የድሊ።

ኣብ ዩክረይን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ ዘሎ፡ ጂኦፖለቲካዊ ፍልልያት ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምራሕ ኔቶን ሩስያን ብዘየገድስ፣ ኤርትራ ኩሎም ወገናት፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መትከላት ብምኽባር፡ ድሕነት ናይ ኩሎም ሰላማውያን ሰባትን ዜጋታትን እንተላይ ኣፍሪቃውያን ክሕልዉ፣ ሰብኣዊ ሽግራት ሰላማዊ ህዝቢ ንምውሓድ፡ ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ክግበር ትጽውዕ።

• ህልዊ ሰብኣዊ ጸገማት ንምቅላል ኮነ፡ ውሑስ፡ ስሉጥ፡ ወለንታዊን ዘይተገደበን መውጽኢ ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ፡ ምቁራጽ ተዂሲን ሰብኣዊ ምንጋወን ይጠልብ።

• ዕማማት ሰብኣዊ ደገፋት እናቐጸለ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ነቲ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዕቱብ ጻዕሪ ይሓትት።

ኤርትራ፡ እቲ ግጭት ብዲፕሎማሲን ዘተን ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ዘለዋ ባህጊ ደጊማ ክትገልጽ ትደሊ።

•ኣብ መወዳእታ ዝያዳ ዕቱብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ክጠቅስ፣ “ኣብ ልዕሊ ሩስያ መሸንቆቛ ምጽባብ” ብዝብል ድርኺትን ዘመተን ናብ እንኮ ቁጠባዊ ስርዓት ንምምላስ ዝካየድ ሃቐነ፡ ንኣዕኑድ መትከላት ምድልዳል ብዙሓዊ ምሕዝነት ዘዕኑ፡ ንክቡር ባህጊ ዝበዝሕ ህዝብታትን ሃገራትን ዓለም ዝጻረር ሓደገኛ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ዘኸትል እዩ።

ንሰላማዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ በቲ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ሃገራትን ምኽባር ዝብል ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ክንምራሕ ይግብኣና።

•ኣብዚ ተሃዋሲን ኣሸጋሪን እዋን፡ ኤርትራ ንሩስያን ዩክረይንን ነቲ ዞባን፡ ሰላም ትምነ።

ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ

Categories