ዓሰብ – ኣንበጣ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ኣሃዱ ምክልኻል ሳገምቲ ባልዓት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ብምትሕብባር፡ ኣንበጣ ኣብ ኣእካል ዘስዕቦ ጉድኣት ብኣጋ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ካብ 4 ክሳብ 12 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ባህሪያትን ስነ ህይወትን ኣንበጣ፡ ኣብ መቈጻጸሪ ሜላታትን ድሕነት ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ መድሃኒትን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ተርእዮ ኣንበጣ ብተዛማዲ ኣብ ደሓን ኩነታት’ኳ እንተሎ ዘዛኒ ከምዘይኮነ ዘዘኻኸረ ኣቶ ተድሮስ፡ ክሳብ ክረምቲ ባሕሪ ዝውዳእ ቀጻሊ ኰለላን ምክትታልን ክግበር፣ ሰልጠንቲ ድማ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ናብ’ቶም ኣብ ምቁጽጻር ኣንበጣ ብግብሪ ዝሳተፉ ሓረስቶትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ብግቡእ ከመሓላልፍዎ ተላብዩ።

ኩነታት ኣየርን ሑጻን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንምፍራይ ኣንበጣ ምቹእ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ተርእዮ ኩብኩብታ ኣንበጣን ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ዕስለታት ኣንበጣን ከምእተኸስቱ፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ሕርሻ ይጠቕሱ።

Categories