ዓለማዊ መዓልቲ ‘ቲቢ – 24 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገር “ሕማም ቲቢ ከብቅዕ፡ ወፍሪ ንድሕነት ህይወት ነሐይል” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተዘኪራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ኣሃዱ ርክብን ስልጠናን ኣቶ ኣማኑኤል ግርማጼን፡ ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ምንጭታት ጥዕናን፡ ሕማም ‘ቲቢ’ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ዓለምና ህይወት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዝፉ ዘለዉ ሓደገኛ ሕማማት ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ዝኽሪ – ሕብረተ-ሰባት ብደረጃ ኣህጉር፡ ሃገርን ኮምን ነቲ ሕማም ግብረ-መልሲ ኣብ ምሃብ ንዝተጻወትዎ ተራ ንምግምጋምን ንመጻኢ ብዝሓየለ ክቕጽልዎ ንምትብባዕን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ጨንፈር ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ኣርኣያ ብርሃነ እውን፡ ምስ ምኽሳት ለበዳ ‘ኮቪድ-19’፡ ብ‘ቲቢ’ ዝስዕብ ሞት ከምዝወሰኸ፣ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንኤች.ኣይ.ቪ ተኸቲሉ ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ነቲ ሕማም ንምቊጽጻር መደባቱ ሰሪዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ብሓፈሻ ንሓካይም ‘ቲቢ’ ድማ ብፍላይ ስልጠናታት እናወደበ፡ ሜላ ፍወሳ ‘ዶትስ’ ናብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ንምስፋሕ ዕቱብ ስራሕ የሰላስል ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓላፊት ፕሮግራም ‘ቲቢ’፡ ኤች.ኣይ.ቪን ዓሶን ዶ/ር ኣሰፋሽ ጸሃየ ብወገና፡ ሕማም ቲቢ ንኽውገድ ሕሙማት ክፍወሱ፣ ጥዑያት ድማ ኣብ ምክልኻሉ ዝለዓለ ተራ ክጻወቱ ብምዝኽኻር፡ ነቲ ሕማም ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ መደብ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ደገፉ ከምዝገብር ኣረጋጊጻ።

Categories